ናፃ ንግዲ ዞባ አፍሪካ መሰረታዊ ምዕባለ ዘረጋግፅን ናብ ብልፅግና ዘሳግርን እዩ- ፕሬዝዳንት ታዬ አፅቀሥላሴ



 

አዲስ አበባ/ ጥቅምት/ 30/2017(ኢዜአ)፦ዞባ ናፃ ንግዲ አፍሪካ መሰረታዊ ምዕባለ ዘረጋግፅን ናብ ብልፅግና ዘሳግርን ብምኹኑ ንተግባራውንቱ ምርብራብ ከምዝግባእ ፕሬዝዳንት  ፌዴሪኢ  ታዬ አፅቀሥላሴ ገሊፆም

መበል 15 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣህጉራዊ ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ ኣህጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ሃገራት ንምቅርራብን ብንግዲ ንምትእስሳርን  ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም።

ኣፍሪካ ምግቢ ውሕስናኣ ንምርግጋፅ፣ ድኽነት ንምቕናስን ማዕርነት ፆታ ንምርግጋፅን ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም