ኢትዮጵያ ብዘለዋ ሃፍቲ እንሰሳት ልክዕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ተረባሒት ንክትኸውን ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ክጠናኸር ይግባእ

 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 30/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብዘለዋ ሃፍቲ እንሰሳት ልክዕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ተረባሒት ንክትኸውን ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ክጠናኸር ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ግብርና ምስ በዓል መዚ ግብርና ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ንግዲ ወፃኢ ስጋ ኣብ ዝረኣዩ ፀገማትን መፍትሕታትን ትኹረት ዝገበረ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ይካየድ ኣሎ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ግብርና ዶክተር ሃሚድ ጀማል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ዋላ ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሃፍቲ እንሰሳት እንተሃለዋ በቲ ዝግባኣ ልክዕ ግና እናተጠቐመት ኣይኮነትን።

ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት 15 ሽሕ ቶን ስጋ እንሰሳት ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ዝተልኣኸ ስጋ ምስቲ ትልሚ እንትነፃፀር እቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ከምዘይኮነ እውን ተዛሪቦም።

ዝሓሸ ውፅኢት ንምምፃእ ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግባእ ድማ ሓቢሮም።

ፖሊሲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ምስ ቀረብ ዶላር ዝተኣሳሰሩ ፀገማት እናተፈትሑ ምዃኖም ነቲ ዓውዲ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ከምዝመፀ ኣረዲኦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ልምዓት እንሰሳሰት ኢትዮጵያ ዶክተር ኣስራት ጤራ ብግደኦም፤ ካብቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ተረባሒ ንምዃን ፅሬት ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ማእኸላት ዕዳጋ ምስፍሕፋሕ ከምዝግባእ ገሊጾም።

ኣብዚ መዳይ ቻይና ድሌት ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ነቲ ዝመፅእ ዘሎ ዕዳጋ ዝምጥን ቀረብ ንምፍጣር ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም