መንደር ቤኑና ኣፀገምቲ ኩነታት ተፃዊርካ ሃገርን ብትግሃት ንምልዋጥ ትምህርት ዝውሰደሉ ኢዩ - ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)





 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/1/ 2017 /ኢዜአ/መንደር ቤኑና  ኣፀገምቲ ኩነታት ተፃዊርካ ሃገርን ብትግሃት ንምልዋጥ ትምህርቲ ዝውሰደሉ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ኣብ ቃላይ በሰቃ ዝተሃነፀ መንደር ቤኑና መንደር ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም።

ቤኑና መንደርመንደር ኣብ ወሰን ቃላይ በሰቃ ኣዚዩ ዘበናዊ መደቀሲ ክፍሊታት፣ ኣዳራሽ፣ እንዳ ሲኒማን መዘናግዒ ቦታታትን፣ ስፓ፣ ከምኡ እውን ልምዓት ፍረምረን ትሩፋት ሌማትን ኣካቲቱ ዝሓዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ህንፀት እቲ መንደር ባህላዊ ጥበብ ኪነ-ህንፃ ምስ ዘበናዊ ህንፀት ኣዋዲዱ ዝሓዘ እንትኸውን÷ ነቲ ከባቢ ተወሳኺ ዓቕሚ ቱሪዝም ዝፈጠረ ውቁብ መስሕብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ነቲ መንደር መሪቖም ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን ኣብ ዘመላለፉዎ መልእኽቲ÷ መንደር ቤኑና ይከኣል ኢዩ ብዓይንና ዝረኣናሉ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ከባቢ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ጠባይ ኣየርን መልክዓ ምድሪን ከምዘለዎ ብምፅራሕ÷ እዚ ብምፅዋር ውቁብ ምስሊ ዘለዎ መንደር ጋህዲ ምግባር ከምዝተኽኣለ አመላኺቶም።

እዚ ፈተና ንኢትዮጵያ ካብ ምቕያር ጠጠው ከምዘየብለና ዳግም ዘረጋገፅናሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም