ሰብ ሃፍቲ ንመህነፂ ማእኸል ሕሙማት ኣእምሮ ፍሬምናጦስ ሓገዝ ንኽገብሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፃውዒት ኣቕሪቦም - ኢዜአ ትግርኛ
ሰብ ሃፍቲ ንመህነፂ ማእኸል ሕሙማት ኣእምሮ ፍሬምናጦስ ሓገዝ ንኽገብሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፃውዒት ኣቕሪቦም
መቐለ/ ሕዳር/1/ 2017 /ኢዜአ/ንማእኸል ኣረጋውያን፣ ህፃናትን ሕሙማት ኣእምሮን ፍሬምናጦስ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ውድድር ጉያ መተኣኻኸቢ እቶት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።
እቲ ውድድር ጉያ ዘጀመሩ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ÷ እቲ ማእኸል ኣብ ሓፂር እዋን ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ንኽበቅዕ መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ሓገዝ ከጠናኽር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ንምዝዛም ህንፀት እቲ ማእኸል ናይ ኩሉ ምትሕብባር ዝጠልብ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው÷ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲን ትካላት መንግስቲን ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።
መስራቲ እቲ ማእኸል ኣባ ገብረመድህን ኣስገዶም ብግደኦም÷ እቲ መርሃ ግብሪ ጉያ ኣብቲ ማእኸል ንዝርከቡ ወለዲ ዘይብሎም ህፃናት፣ ተኸናኻኒ ንዘይብሎም ኣረጋውያን ከምኡ እውን ንሕሙማት ኣእምሮ ሓዱሽ ማእኸል ንምህናፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ምግላፆም ኢዜአ ካብ ከተማ መቐለ ፀብፂቡ።