በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ ክኽበር ኢዩ-ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ ክኽበር ኢዩ-ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/2/ 2017 /ኢዜአ/በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ ክኽበር ኢዩ-ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር።
ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብ ሃገራዊ ምርድዳእ ይፀንዕ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።
መሪሕ ሓሳብ መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣይተ ኣገኘሁ ኣብቲ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት መሰረት ኢዩ፤ ሓበራዊ ተረኻት ተኣሳሲሮምን ተዋሂዶምን እንትውሕዙ ሕብረብሄራዊ ሓድነትን ይሃንፁ” ኢሎም።
“ናይዚ ዓመት በዓል እንትነኽብር ሓድነትን ምትእስሳርን ህዝቢታት ክፀንዕ ብግባር ሰላምን ሓድነትን ሃገር ተሓሊዩ ምስ ሙሉእ ናፅነታ ንቀፃሊ ወለዶ ክመሓላለፍ ጠንኪርካ ብምስራሕ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ 18 ዓመታት እቲ በዓል እንትኽበር ህዝቢታት ሒዞምዎ ዝፀንሑ ሓድነት ንኸፅንዑን ሓበራዊ ክብሪታቶም ከደንፍዑን ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ገሊፆም፡፡
ናይዚ ዓመት በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ÷ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ ክኽበር ኢዩ።