ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ እዋናዊ መደባት ሕርሻ ዕላዊ ገይሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ እዋናዊ መደባት ሕርሻ ዕላዊ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/2/ 2017 /ኢዜአ/ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እዋናዊ መደባት ሕርሻ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዝወዘዖ ሓበሬታ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሕርሻ ቀዳምነት ሂብካ ካብ ክዕመሙ ዝግባኦም ተግባራት ምህርቲ ምእካብን ዝተላዕለ እኽሊ ቀልጢፎም ብዝባፅሑ ዝራእቲ ኣዕታርን ሳዕስዓን ምዝራእ ዘብል ሓደ ከመዝኾነ ገሊፁ።
ብተወሳኺ ምንካይ ብኽነት(ልዕሊ ዓቐን ድግስ) ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ማሕበራዊ ጉዳይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሩ።
በፍላይ ምስ ኣብያተ ትምሕርቲ ኣብ ዝግበር ምትሕብባር፥ እቲ ተግባር ተው ንክብል ኣጀንዳ እናሃብካ ብሚኒሚድያ ኣቢሉ ተማሃሮ ምንቃሕ፣ ሕብረተሰብ ብሓባር ተዛትዩ ናይ ከባቢ መተሓዳደሪ ደንቢ ማለት ስሪት ከውፅእ ምትብባዕ ከምዝግባእ ገሊፁ።
መስኖ ልምዓት ቀልጢፍካ ምጅማር፣ ምብርባር መዓርን ምስግጋር ቆፎ ንህብን፣ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ናይ ሙሉእ ዓመት ስራሕ ምዃኑ ታሓቢሩ።
ንእዋናዊ መደባት ሕርሻ ቀዳምነት ብምሃብ ክስራሕ ከም ዘሎዎን ነቶም ሕርሻዊ ንጥፈታት ኣብ ምትግባር ኩሉ ዝምልከቶ አካል ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቡ።