ኢትዮጵያ ኣብ መሊስካ ምሕዋይ፣ ምልማዕ ደኒን ኣጠቐቕማ ዘላቒ መሬትን ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ኮፕ29 ክተቕርብ ኢያ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/2/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ መሊስካ ምሕዋይ ምልማዕ ደኒን ኣጠቐቕማ ዘላቒ መሬትን ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ኮፕ29 ክተቕርብ ኢያ ተባሂሉ።

ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ኮፕ29) ዝሳተፉ ኣባላት ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣዘርባጃን ባኩ ኣትዮም።

እቲ ጉባኤ፥ ምንካይ ዓለም ለኸ ምብካል ጋዝ፣ ንፀገም  ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝኸውን ዓቕሚ ፋይናነስ ምጥንኻር ኢሉውን ዘላቕነት ዘለዎ ከባብያዊ አየር ምርግጋፅ ኣብ ዝብሉ ጠመተ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል ቀረብ ሓይሊ፣ ሰብኣዊ ልምዓት፣ ውሕስነት ምግብን ብዝሃ-ህይወትን ናይቲ ጉባኤ ናይዚ ዓመት ኣንፈት ትኹረት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኢኒሼቲቭ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢኮ-ቱሪዝምን ተሓዳሲ ሓይሊን ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ፀገም ለውጢ አየር ንምክልኻል ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ መሊስካ ምሕዋይ ምልማዕ ደኒን ኣጠቐቕማ ዘላቒ መሬትን ዘለዋ ተመክሮ ኣብ ኮፕ29 ክተቕርብ ኢያ ተባሂሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም