ኢትዮ ቴሌኮምን ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱን ፕሮጀክት ስማርት ቢሾፍቱ ክውን ምግባር ዘኽእሎም ስምምዕ ተፈራሪሞም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮ ቴሌኮምን ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱን ፕሮጀክት ስማርት ቢሾፍቱ ክውን ምግባር ዘኽእሎም ስምምዕ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕ፤ ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ዓለማየሁ ኣሰፋን እዮም ፈሪመምዎ።

ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ፕሮጀክት ስማርት ቢሾፍቱ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ክላውድ፣ማእኸል ፃውዒት፣ፍጥነትን ፅሬትን ዘለዎ ኢንተርኔት፣ኦፕቲካል ፋይበርን ካልኦትን ብምህናፅ እታ ከተማ ዘማዕብል ፕሮጀክት እዩ።

ብተወሳኺ እውን ኣገልግሎታት ቤት መዛጋጃ፣ትምህርቲ፣ጥዕና፣ግብርና፣ትራንስፖርትን ኣተኣኻኽባ ግብርን ንምምዕባል ከምኡ እውን ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ንምዕባይን ዘተኣማምን ድሕንነት ዘለዋ ቢሾፍቱ ክውን ንምግባርን ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ተዛሪበን።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ዓለማየሁ ኣሰፋ ብግደኦም፤እቲ ስምምዕ ዘለና ፀጋ ብኣግባቡ ብምፍላጥ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዝሕግዝ እዩኢሎም።

ኣገልግሎታት ስርዓት ክፍሊት፣ትራንስፖርት፣ጥዕና፣ ትምህርትን ካልኦትን ንምምዕባል ከምዝሕግዝ እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም