መንደር ቤኑና ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምንቕቓሕ ዓቕሚ ዝፈጥር ሰሓቢ ስፍራ እዩ-መርየም ሳሊም




 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /2/2017 (ኢዜኣ) መንደር ቤኑና ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምንቕቓሕ ዓቕሚ ዝፈጥር ሰሓቢ ስፍራ ከምዝኾነ ኣብ ባንኪ ዓለም ዋና ዳሬክተር ኤርትራ፣ኢትዮጵያ፣ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን መርየም ሳሊም ገሊፀን።

መንደር ቤኑና ኣብ ወሰን ቃላይ በሰቃ ብጣዕሚ ዘበናዊ መደቀሲ ክፍልታት፣መኣከቢ ኣዳራሻት፣መዘናግዒ፣ስፓ ከምኡ እውን ልምዓት ፍራምረን ትሩፋት ሌማትን ሓቚፉ ብምሓዝ ከምዝተመረቐ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ባንኪ ዓለም ዋና ዳሬክተር ኤርትራ፣ኢትዮጵያ፣ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን መርየም ሳሊም ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መንደር ቤኑና ሰሓቢ ስፍራ መስሕብ ቱሪዝም እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጠረ ፍልፍል ሓጎስ ንምክፋል ኣብ ቀፃሊ ምስ ቤተሰበን ብምዃን ኣብቲ ከባቢ ንምዝንናይ ከምዝመፃ እውን ገሊፀን።

እቲ ከባቢ ንመፍረያይነት ግብርና ምችው ምዃኑ ምዐዛበን ሓቢረን።

ስለዝኾነ እውን ፍልፍል ኣታዊ ዜጋታት ብምስፋሕ ንዕቤት ሃገር ዝጠቕሙ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ኣረዲአን።

መንደር ቤኑና ንመስሕብ ቱሪዝም ዓብይ ዓቕሚ ብምፍጣር ታሪኻዊ ስራሕ ዝተሰርሐሉ ከባቢ እዩ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም