ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ፣ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ቢሮ ልምዓት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ፣ኤጀንሲ ኣገልግሎት ምዝገባ ሲቪልን ነባርነትን ኣዲስ ኣበባን ፕሮግራም ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ብሓባር ንምስራሕ መረዳድኢ ሰነድ ተፈራሪሞም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 2/2017 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ፣ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ቢሮ ልምዓት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ፣ኤጀንሲ ኣገልግሎት ምዝገባ ሲቪልን ነባርነትን ኣዲስ ኣበባን ፕሮግራም ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ብሓባር ንምስራሕ መረዳድኢ ሰነድ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕ፤ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብር መፍትሕታት ቴክኖሎጂ ሲቪል ምዝገባን ወሳኒ ኩነትን ንምልማዕ፣ ንምምኻር፣ንምትግባር፣ብቐፃልነት ንምክትታልን ብሓባር ንምስራሕን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዞም ኣገልግሎታት ምስ ፕሮግራም ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዝተኣሳሰሩ ከምዝኑ ድማ ካብ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ወይዘሮ ትዕግስት ሃሚድ ኣብቲ እዋን ስምምዕ ከምዝበልኦ፤ ኤጀንሲ ኣገልግሎት ምዝገባ ሲቪልን ነባርነትን ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርዎ ፀገማት ብምፍታሕ እቲ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ዘርኣዮ ቆራፅነት ዝነኣድ እዩ።

ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ እውን ኣሰራርሓ እቲ ኤጀንሲ ዲጂታላይዝ ኣብ ምግባር ንምድጋፍን ንምምኻርን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና(/) ብግደኦም፤ እቲ ዝህነፅ ስርዓት ኣገልግሎት ምዝገባ ሲቪልን ነባርነትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ ከተማ ስማርት ንምግባር ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ኣብታ ከተማ ዝፍፀሙ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምክልኻልን ካልኦት ኣገልግሎታት ንምትእስሳርን እቲ ስምምዕ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ኣገልግሎት ምዝገባ ሲቪልን ነባርነትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዮናስ ኣለማየሁ፤ እቲ ኤጀንሲ ብዋናነት ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣገልግሎት ወሳኒ ኩነትን መለለዪ መንነትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣሰራርሓ ነዚ ዘበን ዝምጥንን ድሌት ተገልገልቲ ዘየማልእን ብምዃኑ ቴክኖሎጂ ምጥቃም ግድን ከምዝኾነ ብምሕባር ምስቶም ትካላት ብሓባር ምስራሕ ኣድላይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሰለሞን ኣማረ ብግደኦም፤ ምስ ሃገር ቦቆል ትካላት ቴክኖሎጂ ብሓባር ምስራሕ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝርከብ ዘለዎም ተስፋ ሓቢሮም።

መካየዲ ስራሕ ፕሮግራም ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ፤ እቲ ዝድለ ለውጢ ንምምፃእ ዝተዋደዱ ኣሰራርሓታትን ምትሕብባራትን ኣድለይቲ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም