ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ፍሪያት ኣትክልቲ ብመርከብ ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ተላኢኾም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ፍሪያት ኣትክልቲ ብመርከብ ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ተላኢኾም
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/3/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ፍሪያት ኣትክልቲ ብመርከብ ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ከምዝተልኣኹ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሉጡ።
ኢትዮ ቬጅ ፍሩ ሃላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባኒያ ሹገር ስናብን ማንጄቱትን ዝተብሃሉ ፍሪያታት ብምርካብ ብምጉዕዓዝ ናብ ኔዘርላንድስ ምልኣኽ ምጅማሩ ተገሊፁ።
12 ቶን ሹገር ስናብን ማንጄቱትን ፍሪያታት ኣትክልቲ ዘበናዊ ናይ ምዝሓልን ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ዝተገጠመሉ ኮንቴነር ብምጥቃም እቲ ፍሪያት ናብ ወደብ ጅቡቲ ድሕሪ ምብፅሑ ብመርከብ ከምዝለኣኽ ተሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ 23 መዓልታት ኔዘርላድስ ከምዝበፅሕ ምግላፁ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።