ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግምገባ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ምክያድ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግምገባ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 3/2017 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግምገማኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ምክያድ ከምዝጀመረ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣፍሊጡ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን፤ “ትልምና ዘሳለጥናሉ መንገዲ፣ ጥንካረታትና እናቐፀልና ድኽመታትና ብትኹረት ምግምጋም ኣድላይ እዩ” ኢለን።
ኣብ ስራሕትና ዝረኣዩ ድኽመታት ከይሸፋፈንና ምግምጋምና ፍልፍል ጥንካረና እዩ ክብላ እውን ገሊፀን።
ስለዝኾነ እውን ፀገማት ብልሹው ኣሰራርሓ፣ስርቂ፣ግዕዝይናን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘሎ ፀገምን ብምፍታሕ ንነበርታ ምችውቲ ዝኾነት ከተማ ንምህናፅ ኩሉ ኣመራርሓ እቲ ትልምን ኣፈፃጽምኡን ከምኡ እውን ሓላፍነተይ ከመይ ተዋፂአ ኢሉ ክግምግም ኣለዎ ከምዝበላ እውን ኣብቲ ሓበሬታ ተገሊፁ።