ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባብን ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ዘርኢ መካነ ርዕይ ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ተኸፊቱ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባብን ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ዘርኢ መካነ ርዕይ ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ተኸፊቱ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /3/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ኮፕ 29 ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባብን ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ዘርኢ መካነ ርዕይ(ፓቪሊየን) ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣጽቀሥላሴ ተመሪቑ ተኸፊቱ።
ሃገራት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን በረኻነትን ንምክልኻል ዝሰርሕኦ ዘለዋ ስራሕ ኣብ ዘቕርባሉ ዓለም ለኸ ጉባኤ፤ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባብን ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ዘርኢ መካነ ርዕይ ከፊታ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣጽቀሥላሴ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ዘላቒ ግብርናን ሓለዋ ከባብን ዘለውዋ ሓደሽቲ ኣቀራርባታት ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ብኽለት ጋዝ ንምቕናስን ንለውጢ ከባብዊ ኣየር ዘይቃላዕ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ቆራፅ ከምዝኾነት ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እውን ዓለም ትኹረቱ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምግባር ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ርኡይ ደገፍ ክገብር ከምዘለዎ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ምትሕብባር ብምግባር ፀገማት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፍታሕ ከምዝግባእ እውን ፀሪሖም።
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ቀረብ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ውሕስና ምግብን ስፍራታት መባፅሕታት ቱሪዝምን ከምኡ እውን ስራሕቲ ተኸላ ፈልስን ሓምለዋይ ኣሰርን ዘቐደመ ስራሕ እናሳለጠት ከምዝኾነት ተዛሪበን።
ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኮፕ 29 ዝሳተፍ ዘሎ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፤ ቁልፊ ዘተታት ብምግባር ተሞኩሮ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባብን ኢትዮጵያ ከምዘካፍል ትፅቢ ከምዝግበር ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።