ኣብ ትካላት ጥዕና ዝተጀመረ ዲጂታል ስርዓት ቅልጡፍ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ኣኽኢሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ትካላት ጥዕና ዝተጀመረ ዲጂታል ስርዓት ቅልጡፍ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ኣኽኢሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /3/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ትካላት ጥዕና ዝተጀመረ ስርዓት ዲጂታል ኣገልግሎት ዜጋታት ፈጣንን ቅልጡፉን ኣገልግሎት ሕክምና ንክረኽቡ ከምዘኽኣለ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።
ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንለውጢ ቁልፊ ጉዳይ ምዃኑ ስዒቡ ዝማዕበለ ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ዓውዲ ጥዕና ንምምዕባል ከም ሃገር ስትራቴጂ 10 ዓመት ተቐሪፁ እናተሰርሐ ይርከብ።
ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ዲጂታል ኣገልግሎት ጥዕና ኣይተ ገመቺስ መልካሙ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ዲጂታል ስርዓት ጥዕና ክውን ንምግባር ዝሕግዙ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም።
ብፍላይ ድማ ዲጂታል ስርዓት ሓበሬታ ከም ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ጥዕናን ሕክምናን ኣብ ምእካብ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ኢሎም።
እቲ ስርዓት ሓበሬታ ንምጥንኻር ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምሽግጋር እኹል መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት፣ቀረብ ሓይሊ፣ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን በጀትን እናተማልአ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ 76 ትካላት ጥዕና ስርዓት ኤሌትሮኒክስ ሜዲካል ሪከርድ ተግባራዊ ከምዝገበሩ በምሕባር፤ ካብዚኣቶም እቶም 12 ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ወረቐት ነፃ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ገሊፆም።
እቲ ዲጂታል ስርዓት ኣብ ትካላት ጥዕና ዝረኣዩ ፀገማት ኣሰራርሓን ሰናይ ምምሕዳርን ብምፍታሕ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዘኽኣለ ኣረዲኦም።