መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን ምትእስሳር ሕድ ሕድን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽሩ መርሃ ግብርታት ክኽበር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን ምትእስሳር ሕድ ሕድን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽሩ መርሃ ግብርታት ክኽበር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 3/2017 (ኢዜኣ) መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን ምትእስሳር ሕድ ሕድን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽሩ መርሃ ግብርታት ከምዝኽበር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ፀሓፊት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ መንግስትታት፣ሓድነት ዲሞክራስን ኣስተምህሮ ሕገ መንግስትን ባንቺይርጋ መለሰ ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን “ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሐሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ ከምዝኽበር ኣፍሊጠን።
እዚ ሎሚ ዘበን ዝኽበር መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን፤ ምትእስሳር ሕድ ሕድን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽሩ መርሃ ግብርታት ከምዝኽበር እውን ገሊፀን።
ስለዝኾነ እውን 25 ሕዳር መዓልቲ ኣሕዋት ብዝብልን ዓብይ ጉያ ንሕብረት ብዝተብሃለን ብዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ከምዝኽበር ሓቢረን።
26 ሕዳር ድማ መዓልቲ ሕብረት ብዝብል ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝኣትዉሉን ኣብቲ መዓልቲ ምርኢትን ባዛርን ንግዲ ከምዝኽፈትን ተዛሪበን።
27 ሕዳር እውን መዓልቲ ደቡብ ኢትዮጵያ እንትኸውን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህሎም ዘርእይሉ ፌስቲቫል ባህልን ብዛዕባ ልምዓትን ባህልን ደቡብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሽፋን ሚድያ ዝረኽበሉን ከምዝኾነ ኣረዲአን።
28 ሕዳር እውን መዓልቲ ምኽክር እንትኸውን ሃገራዊ ሲምፖዜምን ሽቦ ሰላም ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ዘረክበሉን መዓልቲ እዩ ኢለን።
29 ሕዳር መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ብዝብል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ባህሎም ዘፋልጥሉን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ መድረኽ ዝራኸብሉን ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ኣብቲ መዓልቲ፤ መርሃ ግብርታት መርኢት ባህሊ፣ርኽክብ ዋንጫ ዓብይ ግድብ ሕዳሰን መዛዘምን ምፍላጥ ቀፃሊ ኣዳለዊት ክልልን ከምዝሳለጥ ኣረዲአን።