ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ንህንፀትን ዕቤትን ሃገር ዝገብርዎ ኣስተዋጽኦ ብዝበለፀ ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ተሓቲቱ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 3/2017 (ኢዜኣ) ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን ስነ ጥበብን ንህንፀትን ዕቤትን ሃገር ዝገብርዎ ኣስተዋጽኦ ብዝበለፀ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ገሊፀን።

ኪነ ጥበብን ስነ ጥበብን ንኩለ መዳያዊ ልምዓትን ህንፀት መንግስትንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ምስ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ መድረኽ ምኽክር ኣዳሊዉ።

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሓንቲ ሃገር ኣጉሊሆም ካብ ዘርእዩ ስራሕቲ ኪነ ጥበብን ስነ ጥበብን ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።

ዝማዕበላ ሃገራት እውን ናብዚ ብርኪ ዝበፅሓሉ ምኽንያት ዜጋታተን ብስራሕቲ ኪነ ጥበብን ስነ ጥበብን ስለዝቐረፃ እዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዕቑር ሃፍቲ ዘለዋ፣ብተፈጥሮ ዝተዓደለትን ወናኒት ብዙሓት ባህልታትን ስለዝኾነት ንስራሕቲ ኪነ ጥበብን ስነ ጥበብን ምችውቲ ከምዝኾነት ተዛሪበን።

ስለዝኾነ እውን እቲ ሕብረተሰብ ብኪነ ጥበብን ስነ ጥበብን ብምቕራፅ ኢትዮጵያ ዝማዕበለት ሃገር ንምግባር እጃም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ልዑል ከምዝኾነ ገሊጸን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም