አብ ማእቀፍ ህንፀት ትካላት ብተሰርሐ ሪፎርም ብርክት ዝበለ ሃፍቲ ሃገር ካብ ዝባኸነሉን በብዓመቱ ኪሳራ ካብ ዝምዝገበሉን ታሪክ ምውፃእ ተኻኢሉ-ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ማእቀፍ ህንፀት ትካላት ብተሰርሐ ሪፎርም ብርክት ዝበለ ሃፍቲ ሃገር ካብ ዝባኸነሉን በብዓመቱ ኪሳራ ካብ ዝምዝገበሉን ታሪክ ምውፃእ ተኻኢሉ-ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
አዲስ አበባ/ ህዳር /3/2017(ኢዜአ)፦ አብ ማእቀፍ ህንፀት ትካላት ብተሰርሐ ሪፎርም ብርክት ዝበለ ሃፍቲ ሃገርካብ ዝባኸነሉን በብዓመቱ ኪሳራ ካብ ዝምዝገበሉ ታሪክ ምውፃእ ተኻኢሉ ክብሉ ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ አብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም አብ ዘማሓላለፍዎ መልእኸቲ ስራሕ ህንፀት ትካላት ቐንዲ ዓንዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ እዩ ኢሎም።
ንሚኒስትራት ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ኣፈፃሚ ኣካላት ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም ሎሚ ምግምጋም ከምዝተጀመረ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ኣብ ማዕቐፋት ህንፀት ትካላት ብዝተሰርሐ ሪፎርም ብዙሓት ሃፍቲ ሃገር ካብ ዝባኽነሉን በቢዓመቱ ኪሳራ ካብ ዝምዝገበሉን ታሪክ ምውፃእ ተኻኢሉ ከምዘሎ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢኮኖሚ ሃገር ዝድግፍን ብቢሊየናት ዝቑፀር ገንዘብ በቢዓመቱ ትርፊ ዘእትዋ፣ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ዝፈጥራ፣ ንሽግግር ፈልጠትን ቴክኖሎጂን ኣስተዋፅኦ ዘበርክታ ትካላት ፈጢርና ኣና ኢሎም።
ኣብተን ትካላት ዝተጀመረ ሪፎርም ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝልካዕን ዝቑፀርን ውፅኢት ኣምፂኡ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስራሕቲ ህንፀት ትካላት ቀንዲ ዓውዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ከምዝኾኑ እወን ኣመላኺቶም።