ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ወሃብነት ውሳነ ንምጥንኻርን ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ-ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ወሃብነት ውሳነ ንምጥንኻርን ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ-ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 3/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ወሃብነት ውሳነ ንምጥንኻርን ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ገሊፀን።
ብመተሓባበሪነት ቤት ፅሕፈት ሓቛፋይ ትግበራ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ መድረኽ ምጭባጥ ግንዛበ ካንሰር ጡብን ካንሰር ጫፍ በሪ ማህፀንን ከምኡ እውን ምርመራ ቅድመ ካንሰር ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብዚ እዋን፤ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ብዘለወን ተደራራቢ ሓላፍነት ኣብ ስራሕ ቦታ ብዝተማልአ ጥዕና ስርሐን ንምስራሕ ንከኽእለን ከምዚ ዓይነት መድረኻት ኣብ ቀፃሊ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም ኢለን።
እቲ ትካል ተሳትፎን ወሃብነት ውሳነን ደቂ ኣንስትዮ ንክጠናኸር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብን ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ሓቢረን።
ፈፃሚት ስራሕ ጉዳይ ወፃኢ ቤት ፅሕፈት ሓቛፋይ ትግበራ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዶክተር ኣዚዛ ገለታ፤ ጥዕነአን ዝተሓለወ ደቂ ኣንስትዮ ዲፕሎማት ንክህልዋ እዚ መርሃ ግብሪ ከምዝተጀመረ ምዝራበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።