ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምሕያል ክንሰርሕ ኢና - ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምሕያል ክንሰርሕ ኢና - ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/3/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምሕያል ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼይ ሃይን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፤ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብኩነታት ናብ ዘይልወጥ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።
እዚ ጥንኩር ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ከምዝስራሕ ብምግላፅ፤ ርክብ ኢትዮ-ቻይና ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ማዕቐፍ መድረኽ ምትሕብባር ኣፍሪካ ቻይና (ፎካክ) ዝተቐመጡ ኣንፈታት ንምትግባር ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣድሂቦም መብርሂ ዝሃቡ እቶም ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ኣብ ክልተኣዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ እውን ብፍላይ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓባር ከምዝትሰርሕ ኣረጋጊፆም።