ኩባንያታት ብራዚል አብ ኢትዮጵያ አብ ዘፈር መቀነባበሪ ውፅኢታት ግብርናን መፍረይን ንክዋፈረ ፃውዒት ቀሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኩባንያታት ብራዚል አብ ኢትዮጵያ አብ ዘፈር መቀነባበሪ ውፅኢታት ግብርናን መፍረይን ንክዋፈረ ፃውዒት ቀሪቡ
አዲስ አበባ/ ህዳር/ 4/2017(ኢዜአ)፦ኩባንያታት ብራዚል አብ ኢትዮጵያ አብ ዘፈር መቀነባበሪ ውፅኢታት ግብርናን መፍረይን ንክዋፈረ አብ ብራዚል ባዓል ሙሉኡ ባዓል ስልጣን አምባሳደር ልዑልሰገድ ታደሰ ፃውዒት አቐሪቦም ።
አምባሳደር ልዑልሰገድ ታደሰ ምስ ፕረዝዳንት ኮንፌዴራሽን አብያተ ምኸሪ ቢዝነስን ንግድን ብራዚል አልፍሬዶ ኮንቴ ኔቶአብ አብ ምሕያል ዘፈር ምትሕብባር ክልትአዊ ኢኮናሚ ዘተ አካይዶም ።
ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ተፍጥሮ ዝታዓደለት፣ ሰፋሕቲ አማራፅታት ኢንቭስትመንት፣ ጡጡሕ መሰረተ ልምዓት፣ ሓይሊ ሰብን ወልቀ ዘፈር አብ ልምዓት ንክሳተፍን ዝዕድም ዕሩይ ተባዕ ሃገራዊ አመራርሓ ምህላዉ አምባሳደር ልዑልሰ ገድ ታደሰ ነቶም ፕሬዝዳንት ገሊፆምሎም ።
ብርክት ዝበሉ ፓርክታት እንዱስትሪ ታሃኒፆም ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም አምባሳደር ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ አማሪፆም ክዋፈሩ ከምዝኸእሉ ምሕባሮም ካብ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዝረኸብዮ መረዳእታ የመላከት ።