ኢትዮጵያ ናይ ስምምዕ ፓሪስን ዝሓለፈ ዓመት ኮፕ 28ን ሓላፍነታ ብሰለስተ ስራሕቲ ተግባራዊ እናገበረት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)





 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 4/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ናይ ስምምዕ ፓሪስን ዝሓለፈ ዓመት ኮፕ 28 ሓላፍነታ ብሰለስተ ስራሕቲ ተግባራዊ እናገበረት ትርከብ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ናይ ስምምዕ ፓሪስን ዝሓለፈ ዓመት ኮፕ 28 ሓላፍነታ ብሰለስተ ስራሕቲ ተግባራዊ እናገበረት እያ።

እቲ ቀዳማይ ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር እንትኸውን 40 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ሽፋን ደኒ 6 ሚኢታዊ ንክዓቢ ገይሩ እዩ ኢሎም።

እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ 2015 ሕፅረት ፍርያት ናብ ትርፊ ፍርያት ዝቐየሮ ብመስኖ ዝለምዐ መርሃ ግብሪ ስርናይ እንትኸውን፤ ብፍልፍል ሓይሊ ዝተሓገዙ መንገድታት አጋር ዘለውዎምን ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ዝቐረብሎምን ዘላቕን ሓምለዋይን ከተማታት ዝፈጠሩ ንሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምችዋት ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ዘበናዊ ልምዓት ከተማ ድማ እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ እዮም ክብሉ ገሊፆም።

ኮፕ 29 እናተኻየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኢትዮጵያ ቅልውላው ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሒ ንክረክብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ፋይናንስ ዕላማ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዘረጋግፁ ሓባራዊ ግን ድማ ብሕድ ሕድ ዝተፈለዩ ሓላፍነታት ኢሉ እውን ታሪኻዊ ተሓታትነት ዝሓቱ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣፅንኦት ሂባ እያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም