አግልጋሎት ሕክምና ኣእምሮ - ኢዜአ ትግርኛ
አግልጋሎት ሕክምና ኣእምሮ
ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ካብ ሞንጎ ዝሰርሖም ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ሓደ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ግንዛበ ምዕባይ፣ ፅሬቱን ተበፃሕነቱን ዝሓለወ ግልጋሎት ሕክምና ንኽወሃብ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ምግባር ኢዩ፡፡
ብመሰረት እዚ ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ግልጋሎት ሕክምና ኣእምሮ ንዝህባ 7 ሆስፒታላት 41 መመርመሪ ፀገማት ኣእምሮ ዝሕግዙ (EEG) ማሽናት ብህያብ ኣበርኪትና ኢና ክብል ሓበሬታ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ፡፡