ዝበደልዎ ህዝቢ ንምክሓስ ድሉዋት ኮይኖም ካብ መንገዲ ጥፍኣት ከምዝተመለሱ ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ዝበደልዎ ህዝቢ ንምክሓስ ድሉዋት ኮይኖም ካብ መንገዲ ጥፍኣት ከምዝተመለሱ ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት ገሊፆም
መተማ/ሕዳር/ 4/2017 (ኢዜኣ) ካብ ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ብምንሳሕ ዝበደልዎ ህዝቢ ንምክሓስ ድሉዋት ኮይኖም ካብ መንገዲ ጥፍኣት ከምዝተመለሱ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኢዶም ንመንግስቲ ዝሃቡ ዕጡቓት ገሊፆም።
እናተወሰደ ብዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ውፅኢት እናተረኸበሉን ብርክት ዝበሉ ድማ ምስ ዕጥቆም ንመንግስቲ ኢዶም እናሃቡን ይርከቡ።
ካብቶም ኢዶም ዝሃቡ ተመስገን ኣበበ ዝተብሃለ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ዞባ እናተንቀሳቐሱ ህዝቢ እናበደሉ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ንገበነኛታት ውልቀ ሰባት መጥቀሚ ኮይኖም ከምዝፀንሑ ብምሕባር፤ ንብረት ምስራቕን ምዕናውን ከምኡ እውን ሂወት ሰብ ምጥፋእ ቀንዲ ተግባር እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ካሊእ ኢዱ ዝሃበ ፋሲል ሸጋው ብግድኡ፤ ንህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ዘይምጥን ስራሕ ብምስታፍ ልዑል በደልን ኪሳራን ከብፅሕ ከምዝፀንሐ ገሊፁ።
ዘዕበየና ህዝቢ ቀቲልና ኢና፣ሃፍቱን ንብረቱን ሰሪቕናዮ ኢና፣ ንህዝቢ ኢትዮጰጵያ ይቅርታ ክብሎ ይደሊ እየ ዝበለ ፋሲል፤ ኣብ ቀፃሊ ህዝቢ ዝኽሕስ ስራሕ ንምስራሕ ድሉው ኮይኑ ከምዝተመለሰ ኣረዲኡ።
ኣመራርሓ እቲ ፅንፈኛ ንመንግስቲ ኢድኩም እንተሂብኩም ክትርሸኑ ኢኹም ብዝብል ፕሮፖጋንዳ ኣጉል መስዋእቲ ኣኽፊሎምና እዮም ዝበለ ድማ ታደሰ ደማስ እዩ።
ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም እውን ሰብኣዊ ክብሮም ተሓልዩ ከምዝተትሓዙ ብምግላፅ፤ ካልኦት ዕጡቓት እውን ብሰላማዊ መንገዲ ኢዶም ብምሃብ ህዝቢ ምብዳል ንከቋርፁ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
ኣብ እዚ ሰሜን ምዕራብ ምክትል ኣዛዝን ሓላፊ ደገፍ ኣገልግሎት ውግእን ኮር 504 ኮሎኔል ቾምቤ ወርቁ ከምዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ሓይልታት ፀጥታን ህዝቢ እቲ ከባብን ብምትሕብባር ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ብርክት ዝበሉ ዓወታት እናመዝገበ እዩ።
ብርክት ዝበሉ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዘብፀሖ ጥፍኣትን ዕንወትን ብምርዳእ ምስ ዕጥቆም ኢዶም እናሀቡ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እውን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም።