ኢትዮጵያ ዘላቒ ግብርና ምስ ፖሊሲ ብሄራዊ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምውዳድ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓለዋ ከባቢ ንምዕባይን እናሰርሐት እያ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 4/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዘላቒ ግብርና ምስ ፖሊሲ ብሄራዊ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምውዳድ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓለዋ ከባቢ ንምዕባይን እናሰርሐት ከምትርከብ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባጃን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 29) ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ስርዓት ምግብን ምሕዋይ ተፈጥሮን ዝጠመተ ኣኼባ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣሳሊጣ።

ኣብቲ ኣኼባ፤ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ዴንማርክ ሜቴ ፍሬድሪክሰን፣ሚኒስትር ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓለዋ ከባብን ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣምና ቢንት ኣብዱላህ ኣል ዳሃክ ኣል ሻምሲ (/)፣ፕሬዚዳንት ኮፕ 29 ሚኒስትር ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣዘርባጃንን ሙክታር ባባዬቭን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተረኺቦም።

ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀ ሥላሴ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ዘላቒ ግብርና ምስ ፖሊሲ ብሄራዊ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምውዳድ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓለዋ ከባቢ ንምዕባይን ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ትርጉም ዘለዎም መፍትሕታት ንምምፃእን ዓለም ለኸ ምሕዝነታት ንምጥንኻርን ከምትሰርሕ ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም