ከተማታት ንናብራ ምቹዋት ንምግባር ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ትርጉም ዘለዎ ስጉሚ ሰጒሚና ኢና - ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ከተማታት ንናብራ ምቹዋት ንምግባር ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ትርጉም ዘለዎ ስጉሚ ሰጒሚና ኢና - ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/4/ 2017 /ኢዜአ/ከተማታት ንምዕባለን ናብራን ብዝበለፀ ምቹዋት ንምግባር ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ልምዲታት ብምውሳድ ትርጉም ዘለዎ ስጉሚ ሰጒምና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሸሞንተ ኣንፈታት ልምዓት ኮሪደርን 2 ሺሕን 879 ሄክታር ዝሽፍን ስፍሓትን እናተሰርሐ ዝርከብ ፀብፃብ ካልኣይ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ገምጊምና” ኢሎም።
በዚ ድማ ከተማታትና ንዕቤትን ምዕባለን ንናብራ ብዝበለፀ ምቹዋት ንምግባር ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ተሞክሮታት ብምውሳድ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ንምስጓም ከመዝተኽኣለ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ሓላፍነታት ምድሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብመሰረት እዚ ፈለማ ንዝቕፅል ወለዶ ዝስማዕምዑ ከተማታት ምህናፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
“ካልኣይ ድማ ኣብ ምልዋጥ ዝርከባ ከተማታት ክብ ኢሉ ክዓቢ ዝኽእል ትውልዲ ምሕናፅ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ሳልሳይ ድማ እዞም ዝዘመኑ ከተማታት ብልህቀት ንምምራሕ ዝተሰናደአ ኣመራርሓ ኮስኲስካ ምብቃዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡