ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኩባንያታት ኣውሮፓ ዝበለፀ ዕድል ዝህብ እዩ-ኣምባሳደር ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገርን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኩባንያታት ኣውሮፓ ዝበለፀ ዕድል ዝህብ እዩ-ኣምባሳደር ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገርን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 4/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንኩባንያታት ኣውሮፓ ዝበለፀ ዕድል ዝህብ እዩ ክብላ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገርን ገሊፀን።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር ) ንኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገርን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦመን።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር )፤ ኢትዮጵያ ዓውድታት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ንምምሕያሽ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሕብረት ኣውሮፓ ቀንዲ መሓዛ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ከምትሰርሕ እውን ሓቢሮም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ምትሕብባር ልምዓት፣ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘሎ ርክብ ንምስፍሕፋሕ ድሌት ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ነተን ኣምባሳደር ገለፃ ጌሮም።
ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገርን ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ብኣንፃር ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ርኡይ ስትራቴጂካዊ እጃም እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዎ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ከምዝህብ ገሊፀን።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ 22 ተወከልቲ ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረትን ልዕሊ 180 ኩባንያታት ኣውሮፓን ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ፖሊሲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ነተን ኩባንያታት ዝበለፀ ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክፍጠር ሃናፂ እጃም ከምዝህልዎ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።