ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም መንሽሮ በሪ ማህፀን ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ክጅመር እዩ - ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/5/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማም ካንሰር (መንሽሮ) በሪ ማህፀን ፍሉይ ጠመተ ከምዝተውሃቦ  ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማም ካንሰር በሪ ማህፀን ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ ፡፡

ኣብቲ ክልል ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም መንሽሮ በሪ ማህፀን ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝጅምር እውን ተሓቢሩ።

ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ዘተ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ከመዝገለፁዎ፤ እቲ ሕማም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኢሉ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ዘብፅሖ ልዑል ጉድኣት ንምክልኻል ብሓባር ምስራሕ የድሊ።

እቲ ሕማም ካብ መንሽሮ ጡብ ቀፂሉ ንሕብረተሰብ ስግኣት ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፤ ሰብ ሞያ ጥዕናን መላእ ማሕበረሰብን እቲ ሕማም ንምክልኻል ካብ ወፍሪ ሓሊፉ ኣብ ስሩዕ ስራሕቲ እውን ትኹረት ክህቡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቲ ወፍሪ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል በቢ ዞባኡ ምስ ዘለዉ ሓለፍቲ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ በቢብርኩ ምስ ዘሉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ምሰ ማሕበረሰብ ትምህርትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዃን ካብ 9 ክሳብ 14 ሕዳር 2017 . ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ከምዝሳለጥ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም