ብዋና ኣመሓዳሪ ገዝኣት ጂያንሱ ቻይና ሹ ኩሊን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/5/ 2017 /ኢዘአ/ብዋና ኣመሓዳሪ ገዝኣት ጂያንሱ ቻይና ኩሊን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈር ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስቴር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቶም ኣባላት ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዘተ ከካይዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ጉጅለ ልዑኸ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኽፈት ጉባኤ ምትሕብባር ንግድን ኢኮኖሚ ይና-ኣፍሪካ ከምዝሳተፉ እውን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም