ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ፍርያት 2016/17 ካብ ዝለምዐ ሕርሻ ዝራእቲ ከባቢ 50 ሚኢታዊ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ፍርያት 2016/17 ካብ ዝለምዐ ሕርሻ ዝራእቲ ከባቢ 50 ሚኢታዊ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ
መቐለ/ሕዳር /5/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ፍርያት 2016/17 ብዝራእቲ ካብ ዝለምዐ 727 ሽሕ ሄክታር መሬት ከባቢ 50 ሚኢታዊ ከምዝተኣከበ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣበራ ከደነው ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ንከየብፅሕ ዝባፅሑ ዝራእቲ ብቕልጡፍ ንምእካብ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ናይ ምትሕብባር ስራሕ እናሳለጠ እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብኽነት ፍርያት ንምክልኻልን ዝተረኸበ ፍረያት ብኣግባቡ ንምእካብን እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር 10 ሚልዮን ብር ብምምዳብ ንዓፂድ ዘድልዩ እታዎታት ናይ ምምላእ ስራሕ ከምዝሰርሐ እውን ሓቢሮም።
ኣብዚ ስራሕ ሓይልታት ፀጥታ፣ሰራሕተኛታት መንግስትን ማሕበረሰብ ትምህርትን ሓዊሱ ልዕሊ 40 ሽሕ ሓይሊ ሰብ እናተሳተፈ ከምዝኾነ ገሊፆም።
በቲ ዝተገበረ ርብርብ እውን ኣብ ዘበነ ፍርያት 2016/17 ብዝራእቲ ካብ ዝለምዐ 727 ሽሕ ሄክታር መሬት ከባቢ 50 ሚኢታዊ ከምዝተኣከበ ኣፍሊጦም።
እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ንከየብፅሕ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ተዛሪቦም።