ካብ መዓድን ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦ ኣለዎ-እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ መዓድን ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦ ኣለዎ-እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 5/2017 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር መዓድን ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ስራሕቲ ማዕቐፍ ፖሊስን ሕግን ብፍሉይ ትኹረት ንከሳልጥ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2015/16 ሚኒስቴር መዓደን ካብ መዓድን ዝርከብ ኣታዊ ከምዘዕበየን ከምዝኣከበን ጠመተ ብምግባር ኣብ ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር ዝተሳለጠ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ኦዲትን ዝተገበሩ መስተኻኸሊ ስጉምትታትን ኣመልኪቱ ዘተ ኣካይዱ።
ኣብ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን መዓድን ተሳትፎ ውልቀ ምዕባይ ዘኽእል ቅልጡፍን ውጽኢታውን ስርዓት ኣሰራርሓ ከምዘይተዘርገሐ ኣብቲ ፀብፃብ ኦዲት ተገሊፁ እዩ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስትን ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዝምልከቶም ኣካላትን ሚኒስቴር መዓድን ብመሰረት ኦዲት ዝወሰዶም መስተኻኸሊ ስጉምትታት መብራህርሂ ሓቲቶም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር መዓድን ሚሊዮን ማቲዎስ፤ ኣብቲ ኦዲት ዝተፈለዩ ፀገማት ንምስትኽካል ብትልምን ብፕሮጀክትን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ጠንካራ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ እቲ ትካል ዘመሓሾ ኣዋጅ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ክሳብ ዝፀድቕ መምርሕታት እናተዳለዉ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።
ዘይሕጋዊ ዝውውር መዓድን ንምክልኻል ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ዋና ኦዲተር ፌዴራል መሰረት ዳምጤ ብግደአን፤ እቲ ሚኒስቴር ብመሰረት እቲ ኦዲት መስተኻኸሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝተዋደደ ኣወዳድባ ብምዝርጋሕ ክሰርሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ የሺመቤት ደምሴ(ዶ/ር)፤ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ዓውድታት እቲ ሓደ መዓድን ስለዝኾነ ኣብቲ ኦዲት ዝተገለፁ ጉዳያት ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦም ይግባእ ኢለን።
ሓበሬታ መዓድን ዘለዎም ቦታት ምእካብ፣ዓለም ለኸ ውድድር ዕዳጋ መዓድን ዘዕቢ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ፣ነቲ ዓውዲ ዝኸውን ፖሊሲ ምውፃእ፣ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ መርኣያ ዓይነታት መዓድናት ንዘይሕጋዊ ዕዳጋ ከይቃልዑ ትኹረት ንክወሃብ እውን ኣተሓሳሲበን።