ኣብ ክልል ትግራይ መድረኽ ምኽክር ንዳግመ ሕውየት ማሕበር ባህሊ ትግራይ ተሳሊጡ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/5/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ መድረኽ ምኽክር ንዳግመ ሕውየት ማሕበር ባህሊ ትግራይ ተሳሊጡ

እቲ መድረኽ ብመተሓባበራይነት ማሕበር ባህሊ ትግራይን ጩራ ኣቡጊዳ ኪነ ጥበባዊ ማሕበርን ዝተዳለወ እንትኾን ካብ ምስረታ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ዝተሰርሑ ስራሕትን ሕዚ እትርከበሉ ቁመና ዝጠመቱ ፅሑፋት ቀሪቦም ተዘቲዩሎም።

ኣቦ ወንበር ቦርድ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ዳንኤል ተኽሉ(/) ማሕበር ባህሊ ትግራይ ንብዙሓት ኣብ ፅብቕ ብርኪ ዘብፅሓት ኢያ ኢሎም።

ይኹን እንበር ንባህሊ ዝተውሃበ ቦታ እናነከየ ብምምፅኡ እታ ማሕበር ሰራሕተኛታትከምእቲ ዝሓሰብዎ ክነጥፉ ዘይምኸአሎም ሓቢሮም

ብመሰረት ኣብ ባህሊ ዘለና ግጉይ ኣረዳድኣ ካብ ባህሊ ክንረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ከም እቲ ዝድለ ኣይረኸብናን ብምባል፥ ባህሊ ኩላትና እንናበረሉ ስለዝኾነ ኩሉ ክግደስ አለዎ  ተዛሪቦም

ዘይንሓውየሉ ሕወየት ክተርፈና እዩ ዝግባእ፤ ካብቲ በፂሕና ዘሎ ብርክት ዝበለ በሰላታት ካብ መንጎ እንሓውየሎም መገድታት ሓደ ድማ ባህልና እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ስለዚ ምእንቲ ባዕልና ኢልና ማሕበር ባህሊ ትግራይ ክትድሕን ክንረባረብ ይግባእ ክብሉ / ዳንኤል መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ማሕበር ባህሊ ትግራይ ኣብ 1988 . ካብ ትጣየሽ ጀሚራ ኣብ ባህሊ ምዕቃብን ምምዕባልን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝወገነት ኣብቲ መድረኽ አዘኻኺሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም