ኢትዮጵያ አብ ውሽጢ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 30 ዕውት ኮንፍረንሳት ዓለም አታአናጊዳ- ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ አብ ውሽጢ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 30 ዕውት ኮንፍረንሳት ዓለም አታአናጊዳ- ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ
አዲስ አበባ/ ህዳር/ 5/2017(ኢዜአ)፦ኢትዮጵያ አብ ውሽጢ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 30 ዕውት ኮንፍረንሳት ዓለምአብ አዲስ አበባ ምትእንጋዳ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ አምባሳደር ነቢያት ጌታቸው ዓበይቲ ሰሙናዊ ፍፃመታት ዲፕሎማሲን ቐፃሊ ተግባራትን ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም
አብ መግለፂኦም ዲፕሎማሲ ኮንፈረንስ፣ አኼባ ሚኒስትራት ፎረም ምሕዝነት ሩስያ አፍሪካ ፣ናይ ኢኮኖሚ ዲፕሎማሲን ተግባራት ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ መብርሂ ሂቦም ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ዲፕሎማሲ ወፅኢታዊ ስራሕ ከምዘካየደት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ዲፕሎማሲ ወፅኢታዊ ስራሕ ኣካይዳ ኢያ ኢሎም።
እቶም ኮንፈረንሳት ኣብ ሀንፀት ፅባቐ፣ ምምዕባል ኣታዊ ቱሪዝም፣ ዝተፈላለዩ ልምድታት ኣብ ሓደ ቦታን ግዘን ንምርካብ ልዑል ግደ ከምዝነበሮም ተዛሪቦም።
ጉበኤ ካብ ጥምየት ናፃ ዓለም ፣ጉበኤ ካፍ፣ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ዓለም፣ ጉባኤ ሚኒስትራት ንግዲ አፍሪካ ን ካልኦት ኮንፈንስታትን ታአናጊዶም
እቶም ዝተኻየዱ ኮንፍረንስታት ኢትዮጵያ ዓቐማ ዘርአየትሉን ከተማ አዲስ አበባ እውን ዓለም ለኸ ኮንፍረንስታት ብምትእንጋድ ማእኸልነት ቱሪዝም ኮንፍረንስን ዲፕሎማሲን አብ ምትእንጋድ ዘመስከረትሉ ምኹኑ ተዛሪቦም።
አብ እቶም መድረኻት ህንፀት መልክዕን አታዊ ቱሪዝምን ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ኩለመዳያዊ ስርሒታት ልምዓት ብልምድን ተሞክሮን ምክፋላ አብሪሆም ።