ውህብቶ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ዘለዎም መናእሰይ ብምድጋፍ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ተቐባሊት ጥራሕ ዘይኮነትስ ወሃቢት እውን ምግባር ይግባእ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል




 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2017 (ኢዜኣ) ውህብቶ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ዘለዎም መናእሰይ ክእለቶም ኣብ ስራሕ ንከውዕልዎ ብምድጋፍ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ተቐባሊት ጥራሕ ዘይኮነትስ ወሃቢት እውን ምግባር ከምዝግባእ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ካልኣይ ዙር ሃገራዊ ፕሮግራም መማዕበሊ ቴክኖሎጂክእለት ኢትዮጵያብዝብል ስያመ ማእኸል ልህቀት ምፍራይን ምርሻሽ ቴክኖሎጂን ኣብ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ተጀሚሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስቴር ስራሕ ክእለትን፣ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ከምኡ እውን ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕረነርሺፕ ብሓባር ዘዳለውዎ እዩ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ምጅማር እቲ ፕሮግራም፤ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሩሃት ካሚል፣ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ብሩክ ከድር(/)፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕረነርሺፕ ሓሰን ሑሴን(/) ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሩሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ኩሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ውህብቶ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ዘለዎም መናእሰይ ኣብ ሓደ ማእኸል ብምእካብ ክእለቶም ብምዕባይ ፍርያትን መፍረያይነትን ዘዕብዩ ፀገም ዝፈትሑ ቴክኖሎጂታት ንክፈጥሩ ዝሕገዝሉ እዩ።

ሃገራዊ ፕሮግራም መማዕበሊ ቴክኖሎጂክእለት ኢትዮጵያመንፈስ ይከኣል እዩ ዝተረጋገፀሉ ከይዲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ናይ ጽባሕ ኢትዮጵያ ንምህናፅ እቲ ሓደን ቀንድን ጉልበት ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ትግሃት ይሓትት ኢለን።

ናይ ሎሚ ወነንቲ ፈጠራ ቴክኖሎጂ መናእሰይ እቲ ፈጠራ ብምምዕባል ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ተቐባሊት ጥራሕ ዘይኮነትስ ወሃቢት እውን ንክትኸውን ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቢረን።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ብሩክ ከድር(/) ብግደኦም፤ ሃገር ቦቆል ስራሕቲ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ንዘጋጥሙ ፀገማት ሃገር ቦቆለ መፍትሕታት ንምሃብ ዝዓለሙ እዮም ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ብፈጠራ ቴክኖሎጂ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ውፅኢት ከምዝተረኸበሎም ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም