መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኽለት ካርቦን ዝቕንስ ዘላቒ ነዳዲ ኣውሮፕላን ንምጥቃም ናብ ስራሕ ኣትዩ እዩ-ኣይተ መስፍን ጣሰው - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኽለት ካርቦን ዝቕንስ ዘላቒ ነዳዲ ኣውሮፕላን ንምጥቃም ናብ ስራሕ ኣትዩ እዩ-ኣይተ መስፍን ጣሰው
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 5/2017 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኽለት ካርቦን ዝቕንስ ዘላቒ ነዳዲ ኣውሮፕላን ንምጥቃም ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው ገሊፆም።
ማሕበር ዓለም ለኸ ትራንስፖርት ኣየር(ኣያታ) ብምኽንያት ትራንስፖርት ኣየር ዘጋጥም ብኽለት ካርቦን ንምቕናስ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ክሳብ 2050 ኩሎም መንገድታት ኣየር ዘላቕነት ዘለዎ ኣማራፂ ነዳዲ ኣውሮፕላን ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ረብሓ ንከውዕሉ ኣንፈት ኣቐሚጡ እዩ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ መፃኢ እዋን ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ኣቬሽን ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕልሉ እዩ።
ካብዚኣቶም ኣብ ትንራስፖርት ኣየር ብኽለት ካርቦን ንምቕናስ ዘላቕን ኣማራፅን ነዳዲ ኣውሮፕላን (Sustainable Aviation Fuel-SAF) ምጥቃም እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብመዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣማራፂ ዘላቒ ነዳዲ ኣውሮፕላን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ዘኽእል ፖሊሲ እናተዳለወን መፅናዕትታት እናተኻየዱን ከምዝኾነ ገሊፆመ።
ኣብ ቀፃሊ ኩባንያታት ኣፍረይቲ ኣውሮፕላን እዚ ኣማራፂ ኣብ ጥቕሚ ንክውዕል ዘኽእላ ምችዋት ኣውሮፕላናት ከምዘፍርዩ ብምግላፅ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን እዚ ነዳዲ ብበዝሒ ንምጥቃም ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ሓደ ኩባንያ ኣሜሪካ ዘላቒ ነዳዲ ኣውሮፕላን ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍራይ እኹል ምድላው ከምዝገበረ ብምሕባር፤ መንገዲ ኣር ኢትዮጵያ ምስቲ ኩባንያ ውዕሊ ከምዝተፈራረመ ኣፍሊጦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ኣማራፂ ነዳዲ ኣብ ዝተወሰኑ ኣውሮፕላናት ሙሉእ ብሙሉእን ብኸፊልን ኣብ ጥቅሚ እናውዐለ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።