እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝለዓለ ውፅኢት እናተመዝገበሉ እዩ-ኢዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝለዓለ ውፅኢት እናተመዝገበሉ እዩ-ኢዮብ ተካልኝ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 5/2017 (ኢዜኣ) እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝለዓለን ቀፃልነት ዘለዎን ሃገራዊ ዕቤት ምጣነ ሃፍቲ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ካብ 2016 ዓ/ም ጀሚራ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ተወዳዳሪን ውፅኢታውን ንምግባር፣ዓቕሚ ፍርያትን መፍረያይነትን ውሽጢ ሃገር ንምጥንኻር፣ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ንምቕራብን ሓፈሻዊ ምጣነ ሃፍቲ ሃገር ንምዕባይን ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።
ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ(ዶ/ር)፤ ከም ሃገር ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ምዃኑ ንዕቤት ኢኮኖሚ ማሕለኻ ኮይኖም ዝነበሩ ጸገማት ምፍታሕ ኣኽኢሉ እዩ አሎም።
ስለዝኾነ እውን እቶም ዝተረፉ እዋናት እዚ በጀት ዓመት ኣብቲ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ዝተጀመሩ ስራሕቲ መሬት ዝሕዝሉ ኣገደስቲ እዋናት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሸርፊ ወፃእን ሓፈሻዊ ዕዳጋን ኢትዮጵያ ከይረጋጋዕ ዝገብር ዋላ ሓደ ምኽንያት የለን ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ኣብ ዋሕዚ ንግዲ ወጻኢ፣ኣታውን ሓዋላን ዝተርኣዩ ውፅኢታት መርኣያ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝለዓለን ቀፃልነት ዘለዎን ሃገራዊ ዕቤት ምጣነ ሃፍቲ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መንግስቲ እዚ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ኣድላይ ስጉምቲ ንምውሳድ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ እውን ትፅቢት ይግበር ኢሎም።