ኣህጉራዊ ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ጉንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 5/2017 (ኢዜኣ) መበል 20 ኣህጉራዊ ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ካብ 11 ክሳብ 15 ጉንበት 2017 / ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ እዚ ጉባኤ ኣመልኪተን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ እቲ ጉባኤ ካብ 11 ክሳብ 15 ጉንበት 2017 / ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክካየድ እዩ ኢለን።

እቲ ጉባኤ፤ኣብ ኣፀጋሚ ዓለም ተለዋዋጢ ኩነታት ምፅዋር ዝኽእል ማሕበረሰብ ምፍጣርኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ገሊፀን።

ትካላት ኮንስትራክሽንን መሰረተ ልምዓትን ኣብቲ ጉባኤ ስለዝሳተፉ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ልዑል ኣስተዋጸኦ ከምዘለዎ እውን ሓቢረን።

ዕድላትን ፈተናታትን እቲ ዓውዲ ዝድህስሱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝቐርቡ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ እውን እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳለጡ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ከምዝጉብንዩ ኣፍሊጠን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም