ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተወትሎም ስምምዕነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር እተረክብ ከምዝኾነት ውሕመ ገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተወትሎም ስምምዕነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር እተረክብ ከምዝኾነት ውሕመ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/5/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተወትሎም ስምምዕነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ቆፂራ እተረክብ ከምዝኾነት ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኤንዲፒ) ገሊፁ።
ካብ ዱባይ ክሳብ ባኩ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ምስ መዳርግቲ ትካላት ፓቪሊዮን ኢትዮጵያ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ልምዓትን ፕላንን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ካብ ለውጢ ፖሊሲ ጀሚሩ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ተሓዳሲ ሓይሊ ከምኡውን ብኣዝርእቲ ዓርሳ ንምኽኣል ብዙሓት ስራሕቲ ተሳልጥ ከምዘላ ገሊፀን።
ኣብ ጉባኤ ኮፕ28 ዝተኣተዉ ስምምዕነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ከምዝፈፀመት እውን ተዛሪበን።
መሻርኽቲ ልምዓት ብግደኦም፥ ዓለም ዝዓረቑ ከባቢታት ብደኒ ንምሽፋን ኣማራፅታት ሓይሊ ሙሉእ ንሙሉእ ብተሓዳሲ ሓይሊ ንምትካእ ዝሓዘቶ ትልሚ ኢትዮጵያ ቀዲማ ጀሚራቶ ኢያ ኢሎም።
ብፍላይ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ንካልኦት ሃገራት ዓለም ኣብነት ዝኸወን ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ንእትሰርሖ ዘላ ስራሕ ደገፍ ክንገብር ኢና ምባሎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።