ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ዓብዪ ጉያ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/8/ 2017 /ኢዜአ/ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ፡፡

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብምውዳድ ድሕንነት ተሳተፍቲ እቲ ውድድር ተሓሊዩ ብሰላም ንኽዛዘም ከም ወትርኡ ብፅሒቱ ከምዝተዋፀአ ተገሊፁ፡፡

ፖሊስ ፌደራል÷ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ንኽዛዘም ንኣካላት ፀጥታ ምትሕብባር ንዝገበሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ንኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓል ከምኡ እውን ሓላፍነቶም ብብቕዓት ንዝተዋፅኡ ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም