ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዘላቒ ረብሓን ድሌትን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ እጃም መሪሕነት ምውፃኣ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዘላቒ ረብሓን ድሌትን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ እጃም መሪሕነት ምውፃኣ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /9/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዘላቒ ረብሓን ድሌትን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ እጃም መሪሕነት ምውፃኣ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን።
መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 29) ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ እናተኻየደ እዩ።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ብኣዶ መንበርነት ዝመርሐቶ ጉባኤ ሚኒስትራት ከባቢ ኣፍሪካ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዘተ፤ ሚኒስትራት ኣፍሪካ፣ተደራደርትን ሰብ ሞያ ከባብያዊ ኣየርን ተሳቲፎም።
እቲ ጉባኤ ሚኒስትራት ብኣዶ መንበርነት ዝመርሕኦ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፤ እቲ ዘተ ኣብ ጉባኤ ካልኣይ ሰሙን ኮፕ 29 ንዝቐርቡ ጉዳያት ድርድር ምኽረ ሓሳባት ከምዝተረኸበሉ ተዛሪበን።
ኣብ ኮፕ 29 ዝተናበበን ዝተዋደደን ቅዋም ኣፍሪካ ምንፅብራቕ ዘኽእል ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን ኣብ ካልኣይ ሰሙን እቲ ጉባኤ ኣብ ዝግበር ዓለም ለኸ ውድድር ዛዕባታት ኣፍሪካ ምንፅብራቕ ዘኽእል ብቑዕ መሪሕነት ንክዋፅኡ ፃውዒት ከምዝቐረበን ሓቢረን።
ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንዝግበር መበል 20 ጉባኤ ሚኒስትራት መዓልትን ኣዳላዊት ሃገርን ንምውሳን ዘተ ከምዝተገበረ እውን ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዘላቒ ረብሓን ድሌትን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃም መሪሕነታ ንምውፃእ ብትግሃት ምስራሓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ተዛሪበን።
ጉባኤ ሚኒስትራ ከባቢ ኣፍሪካ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።