ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምትሕብባር ሓምለዋይ ልምዓት ንክተሰናድእ ተሓሪያ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/9/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምትሕብባር ሓምለዋይ ልምዓት(P4G) ንክተሰናድእ ተሓሪያ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሓምለዋይ ልምዓት ሮቢን ማክጉኪን ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ብድሆታት  ለውጢከባብያዊ አየር ንምምካት ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ውልቀ ዓውዲ ከበርክቶ ኣብ ዝግባእ ኣስተዋፅኦ ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሓምለዋይ ልምዓት ኣብቲ ዓውዲ ንዝግበር ዘሎ ደገፍ እውን እቶም ሚኒስትር ዴኤታ አመስጊኖም።

ኢትዮጵያ ኣብ 2017 . ንዝሳለጥ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምትሕብባር ሓምለዋይ ልምዓት(P4G) ንክተሰናድእ ምሕራያ፥ እታ ሃገር ዘላቒ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ዓውዲ ሓምለዋይ ልምዓት ንክጎልብት ንእትገብሮ ዘላ ርኡይ ግደ ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ ኢሎም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም