ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታል መዋቕራዊ ሽግግር ንክሳለጥ ብቆራፅነት እናሰርሐት እያ-በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 12/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታል መዋቕራዊ ሽግግር ንክሳለጥ ብቆራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (/) ገሊፆም።

መበል 13 ኣኼባ ምምሕዳር ኢንተርኔት ኣፍሪካዲጂታል ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ኩለ መዳያዊ መዳርግቲ ኣካላት ምህናፅኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት እናተኻየደ ይርከብ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ሓቛፍን ዘላቕነት ዘለዎን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምፃእ ተበፃሕነት ኢንተርኔት ወሳኒ እዩ።

ምምሕዳር ኢንተርኔት ኣፍሪካ ኣብታ ኣህጉር ሓቛፍን ዘላቕን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ኢንተርኔት ኣገልግሎታት ጥዕና፣ትምህርቲ፣ግብርናን ካልኦትን ብምስላጥ ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ትግበራ ምምሕዳር ኢንተርኔትን ዲጂታል ሽግግርን ኣፍሪካ ክውን ንክኸውን ብቆራፅነት እመናሰርሐት ከምትርከብ እውን ኣረዲኦም።

ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ክላቨር ጋቴቴ ብግደኦም፤ ዲጂታል መዋቕራዊ ሽግግር ንኩለ መዳያዊ ዕቤት መሰረት እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ልዕሊ 800 ሚልዮን ህዝቢ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከምዘይኾነ ብምሕባር፤ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዲጂታል ሽግግርን ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም