ን5ይ ግዜ ዝተኸበረ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብዓወት ተዛዚሙ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 12/2017 (ኢዜኣ) 5 ግዜ ዝተኸበረ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብዓወት ከምዝተዛዘመ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ምምሕዳር፤ መበል 5 ሃገራዊ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ከምዝተዛዘመ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ምምሕዳር ዳንኤል ጉታ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ድሕንነት ሳይበር ንምርግጋፅ ከም ሃገር ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐሉ ይርከብ ኢሎም።

ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ትካላትን ማሕበረሰብን ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብዚ ድማ ዕውት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ምስ ድሕንነት ሳይበር ዝተኣሳሰሩ ውድድር ሓፀርቲ ፊልምታት ከምዝተኻየዱ እውን ገሊጾም።

ኣብቲ ውድድር፤ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወፁ ከከም ደረጅኦም ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 200 ሽሕ ብር ሽልማት ከምዝተውሃቦም ተዛሪቦም።

እቲ 5 ግዜ ዝተኸበረ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር እቲ ዝተደለየ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ውፅኢታዊ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ወርሒ ድሕንነት ሳይበር፤ድሕንነት ቁልፊ መሰረተ ልምዓት ንዲጂታል ልኣላዊነትኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 1 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2017 / ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ከምዝተኸበረ ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም