ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሓለፍቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተዛቲዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሓለፍቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/13/ 2017 /ኢዜአ/ላዕለዋይ ሓላዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ማሕበር ተዛቲዮም።
ብፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ኣበራ ቶላ ዝተመርሐ ጉጅለ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብዝምልከት ገለፃ ገይሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ሃገር ዘሳልጦ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምሕያሽ ዘኽእል ለውጢ ንምግባር ዝውግኖ ምንቅስቓስ ብዝምልከት መብርሂ ምቕራቡ ሓበሬታ እቲ ማሕበር ኣመልኪቱ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ እናወገኖም ዝርከቡ ተግባራት ብምንኣድ፤ ኣብ ቀፃሊ እቲ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ዘኽእሎ ስትራተጂካዊ ኣመራርሓ ብመሃብን ሃፍቲ ብምትኽኻብን ብገንዘብ ርእሱ ንኽኽእል ንምግባር ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ከምዝዋፅኡ ኣረጋጊፆም።