ኢትዮጵያ ምስ ሮማንያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ኣለዋ-ኣምባሳደር ፀጋኣብ ክበበው


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ሮማንያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሮማንያ ፀጋአብ ክበበው ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሮማንያ ፀጋአብ ክበበው ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሮማንያ ዘትዮም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ዳይሬክተር ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ሮማንያ ቫለንቲን ቡዳ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣብቲ ዘተ፤ ትካላት ሚኒስቴር ኢትዮጵያን ሮማንያን ፖለቲካዊ ዘተኦም ዳግማይ ንምጅማር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።

ኣምባሳደር ፀጋኣብ ምስ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣውሮፓን ዓለም ለኸ ርክብን ሚኒስቴር ስራሕን ማሕበራዊ ሓለዋን ሮማንያ ጀነራል ሊያና ሞስቴኔስኩ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ስምምዕ ክልቲኣዊ ወፍሪ ስራሕ ብቕልጡፍ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ተስማዕሚዖም።

ብተወሳኺ እውን እቶም ኣምባሳደር ምስ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ሮማንያ ኦቪዲ ሎአን ሲላጊ ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ፤ ቤት ምኽርታት ክልቲአን ሃገራት ብምትእስሳር መጠን ልውውጥ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምዕባይ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ምጥንኻር ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ምስ ሮማንያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምኡ እውን ብሓባር ምልማዕ ማእኸል ብዝገበረ መልክዑ ርክባ ምጥንኻር ከምትደሊ ምግላፆም ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም