ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ዘለዋ ዕቑር ሃፍቲ ብምጥቃም ኣብ ትራንስፖርት ሓምለዋይ ፈላመይቲ ንምዃን እናሰርሐት እያ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ዘለዋ ዕቑር ሃፍቲ ብምጥቃም ኣብ ትራንስፖርት ሓምለዋይ ፈላመይቲ ንምዃን እናሰርሐት እያ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ዘለዋ ዕቑር ሃፍቲ ብምጥቃም ኣብ ትራንስፖርት ሓምለዋይ ፈላመይቲ ንምዃን እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ዓውደ ርእይን ሲምፖዜምን 2024 ኢትዮ ግሪን ሞቢሊቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽፋት ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝፈጥሮ ዘሎ ዓለም ለኸ ፅለዋ ምፅዋር ዝኽእል ዘላቕን ዘተኣማምንን ሓምለዋይ ልምዓት ምፍጣር ኣድላይ እዩ።
ኢትዮጵ ወናኒት ሓምለዋይ ሞቢሊቲ ክድግፍ ዝኽእል ዕቑር ተሓዳሲ ሓይሊ ምዃና ብምሕባር፤ እዚ ዓቕሚ ብምጥቃም ድማ ኣብ ትራንስፖርት ሓምለዋይ ፈላመይቲ ንምዃን እናሰርሐት እያ ኢሎም።
ንመምፅእቲ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ዝተፈላለዩ ደገፋት መተባብዒ እናተገበረሎም ምዃኑ ብምግላፅ፤ እዚ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዓለሙ ስሜ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ትራንስፖርት ኢትዮጰያ ዘላቕነት ዘለዎ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ትገብሮ ፃዕሪ ሓደ ኣካል እዩ ኢሎም።
ኣዲስ ኣበባ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ማእኸልነታ ንምሕላው ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ብሓምለዋይ ትራንስፖርት ንምድጋፍ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።