ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /13/2017 (ኢዜኣ) ካብ 16 ክሳብ 17 ሕዳር 2017 / ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ከምዝካየድ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (/) እቲ ኮንፈረንስ ሰላም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብቲ ኮንፈረንስ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ከምዝዝተ ብምሕባር፤ ሃገራት ኣብቲ ዓውዲ ዘለወን ተመኩሮ ልውውጥ ከምዝገብራ እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ሰላም ንክረጋገፅ ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ኣብቲ መድረኽ ከምተቕርብ እውን ገሊፆም።

እቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሰላም፤ዝማዕበለትን ሰላማዊትን ኣፍሪካ ንህነፅኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም