ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእለን ስምምዕ ተፈራሪመን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእለን ስምምዕ ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /13/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእለን መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪመን።
ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ልምዓት ቴክኒክን ሞያን ዓለም ትሳተፍ ኣላ።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፤ ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዓውዲ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእለን መረዳድኢ ስምምዕ ከምዝፈተፈራረማ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሃላለፍኦ መልእኽቲ ገሊፀን።
እቲ ክልቲኣዊ ስምምዕ፤ ኣብ ዓውዲ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ምትሕብባር ብምፍጣር ዜጋታት ብብቕዓት፣ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ብምጥንኻርን ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ብምግባርን ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ልምዓት ናይ ምዕባይ ዕላማ ዘለዎ እዩ ኢለን።
እቲ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ቻይና ዝተገበረ ስምምዕ ኣካል ቤልት ኤንድ ሮድን ርክብ ቻይና ኣፍሪካ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምሽግጋር ዘኽእልን ከምዝኾነ ሓቢረን።
እቲ ስምምዕ፤ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምሽግጋር ከምዘኽእል እውን እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።