ሕብረተሰብ ሪሊፍ ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ መድሓኒት ካብ ምጥቃም ንኽቑጠብ ፃውዒት ቀሪቡ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/13/ 2017 /ኢዜአ/ሕብረተሰብ ሪሊፍ (RELIEF) ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ መድሓኒት ካብ ምጥቃም ንኽቑጠብ በዓል መዚ ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ፡፡

እቲ በዓል መዚ RELIEF ዝበሃል ዘይሕጋዊ መድሓኒት ኣብ ውሽጡ ዲክሎፌናክ፣ ፓራሲታሞል፣ ክሎረፊኒራሚንን ማግኒዥየም ትራይሲሊኬት ከምዘለዎ ስለዝግመትን ንጥዕና ጎዳኢ ክኸውን ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ስለዘሎ እቲ መድሓኒት ኣብ ረብሓ ክውዕል ከምዘይብሉ ኣጠንቂቑ፡፡

እቲ መድሓኒት ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብስፍሓት እናተዘዋወረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብሕጋዊ መገዲ በቲ በዓል መዚ ዘይተመዘገበ መድሓኒት ስለዝኾነ ፅሬቱ፣ ድሕንነቱን ውፅኢታዊነቱን ኣይፍለጥን ክብል ኣገንዚቡ።

እዚ መድሓኒት ንነዊሕ ግዘ ምጥቃም ከቢድ ብሕማም ጉበት፣ ጉድኣት ኩሊት፣ ድኻምልብን ስትሮክን ጎናዊ መጉዳእቲ ሽውሃት ምግቢ ዘይምህላው፣  ውፅአት፣  ሕማም ከብዲ፣  ዕውልውል ምባል፣  ንዓቐብ ምባል፣  ምስአን ድቃስ፣  ድኻም ፣ ምፍዛዝ፣  ርእሲ ሕመም  ናይ ምትሓዝ ዕድል ክብ ከብል ከምዝኽእል ብመፅናዕቲ ምርገጋፁ ሓበሬታ እቲ በዓል መዚ የመላኽት፡፡

ብምዃኑ ድማ ሕብረተሰብ እዚ ዘይሕጋዊ ይህንን መድኃኒት መድሓኒት ካብ ምጥቃም ንኽቑጠብን እቲ መድሓኒት ኣብ ጥቕሚ እንትውዕል እንትዕዘብ ብናፃ ቁፅሪ ስልኪ 8482 ብምድዋል ሓበሬታ ንኽህብ ፀዊዑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም