ፓርቲ ብልፅግና ብልዕልና ሓሳብ ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝተመስረተ ፓርቲ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ - ኢዜአ ትግርኛ
ፓርቲ ብልፅግና ብልዕልና ሓሳብ ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝተመስረተ ፓርቲ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2017 (ኢዜኣ) ፓርቲ ብልፅግና ብልዕልና ሓሳብ ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝተመስረተ ፓርቲ እዩ ክብሉ ብመዕርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
መበል 5ይ ዓመት ምስረታ ፓርቲ ብልፅግና"ልዕልና ሓሳብ ንኩለምዳያዊ ብልፅግና"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ብድሙቕ እናተኸብረ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፊዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ኣካቢ ኮሚቴ መተሓባበሪ ፓርቲ ብልፅግና ትካላት ፌዴራል ዓለሙ ስሜ(ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግናን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፥ ፓርቲ ብልፅግና ብልዕልና ሓሳብ ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝተመስረተ ፓርቲ እዩ ኢሎም።
ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ሒደት ዓመታት ኩለ መዳያዊ ዓወታት ክውን ዝገበረ ፓርቲ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም
ፓርቲ ብልፅግና ዝተመስረተሉ ኢፍትሓዊነት ፣ ኣድላኣዊነት፣ልዕልና ነፃ ተረኽን ካልኦት ፀገማትን ብልዕልና ሓሳብ ንምፍታሕ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ዝተመስረተ ፓርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።
መነባብሮ ህዝቢ ዝመሓይሽ፣ዘላቒ ሰላም ዝረጋገፅ፣ብሄራዊ ረብሓ ዝኽበር፣ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፍንን ሰናይ ምምሕዳር ዝረጋገፅን ብልዕልና ሓሳብ ጥራሕ እዩ ኢሎም።
ተጊህና እንተሰሪሕና ሃገራዊ ብልፅግና ምርግጋፅ ከምዝከኣል እውን ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ብተግባር ከምዘርኣየ ሓቢሮም።
ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዘሳለጦም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ፖለቲካ፣ኢኮኖምን ማሕበራውን ከምኡ እውን ዲፕሎማሲን ርክብ ወፃእን ብምብርህራህ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ዓወታት ንምቕፃልን ብልፅግና ንምርግጋፅን ጠንኪሩ ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም።