ኣብ መቐለ ኣብ ፈጠራን ኢንተርፕነርሽፕን ድሕሪ ኲናትን ዳግመ ሕውየትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መቐለ ኣብ ፈጠራን ኢንተርፕነርሽፕን ድሕሪ ኲናትን ዳግመ ሕውየትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/ 2017 /ኢዜአ/ ቐነ ኢንተርፕነር ሽፕ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ፈጠራን ኢንተርፕነርሽፕን ድሕሪ ኲናትን ዳግመ ሕውየትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።
እቲ መድረኽ፥ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕርነርሽፕ ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይን ካልኦት መዳርግቲ ኣላካትን ብምትሕብባር ዘሰናደእዎ ኢዩ።
“ኢንተርፕነር ሽፕ ንኹሉ ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከላሊ ኣድሀና(ዶ/ር)፥ ድሕሪ ኲናት ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ቴክኖሎጅን ዕብየት ኣጠንኺርና ብምስራሕን እነንብቦን እንርእዮን ተሞክሮ ዝተፈላለዩ ዓድታት ናብ ተግባር ብምቕያር ንዕብየት ዓድና ንስራሕ ክብሉ ፀዊዖም።
ኣተሓባባሪ ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕነርሺፕ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ዳግማዊ ዮሃንስ ብግደኦም፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፈጠራን ምህዞን ዝሳተፉ መናእሰይን ካልኦትን ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ንከምፅኡ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ኣብ ፀጋታትን ፈተናታትን ስራሕቲ ፈጠራን ምህዞን መሰረት ብምግባር ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ይሳለጥ ከምዘሎ ድማ ኣብሪሆም።